You are on page 1of 13

እቲ ኩነታት ተፈጢሩ አሎ፣ ሰብ ናብ ሰቡ ዝብኢ

ናብ ገረቡ
*******************************************

ኢህወዴግ ካብ ዝምግደር 3-4 ዓመታት ኣቑፂሩ ኣሎ፡፡ ካብ ዝምግደር እንትበሃል ካብ


ዕላማታቱ ወፂኡ ናብ ናይ ፅግዕተኛ፣ ናብ ደንበ ፀረ ህዝብን ፀረ ዴሞክራሲን
ዝወስድ መንገዲ ሒዙ ምጉዓዝ ምጅማሩ ንምባል እዩ፡፡ ኣብዚ እቲ መንገዲ ጉዕዞ
ምብስባስ ብዘይ ኣፈላላይ ኩሎም ኣሓት ውድባት ኢህወዴግ እዮም ተጓዒዞምዎ፡፡
እንተኾነ ግና ናትና ናይ ተጋሩ /ህወሓት/ ጋእ ሰጋእ እናበለት ኣብ መንገዲ ምብስባስ
እንትትጓዓዝ እቶም ኣሓትና ግን፣ ኣብ ዝሓለፉ ናይ ልምዓትን ዴሞክራሲን ጉዕዞ
ንቅድሞምን ሮል-ሞዴሎም ከምዘይነበርና ኣብዚ ናይ 3-4 ዓመት ናይ ምብስባስ
ጉዕዞ ቀዲሞምና ማርሺ ለዊጦም እቲ ናይ ምብስባስ ሻምፒዮንነት ቦታ
ተረኪቦምዎ፡፡ መቸው ኣብ ምብስባስ ዝጠሓለ ሓይሊ ፈፂሙ ዴሞክራሲያዊ
ክኸውን ስለዘይኽእል፣ ናይ ኢህወዴግ ዝተገበረ ናይ ኣቦወንበር መረፃ ናይ
ዴሞክራሲያዊ ሽፋን ኣልቢሶም ብተንኮልን ብጉጅለን እዩ እቲ ናይ ሻምፒዮንነት
ቦታ /ኣቦወንበርነት/ ዝተረከብዎ፡፡

እዚ ኣብ ስልጣን ዝኒሄ ሓይሊ ፈፂሙ መእመኒ የብሉን፡፡ ይትረፍ ብህዝቢ ክእመን፣ በቶም

ናቱ ደገፍቲ ዝበሃሉ ናብ ስልጣን ዘምፀኦም ናይ ለውጢ ሓይሊ ዝብሎም ኣካላትውን

መእመኒ ዘይብሉ እዩ ይብልዎ፡፡ ሎሚ ዝሾሞም ወርሒ ክልተ ወርሒ እንተይመልኡ

የልዕሎም፡፡ ኩሎም ፅባሕ እንታይ ከምዝመፅእ ዘይፈልጡን ከብዶም ሓቊፎም ዝሓድሩን

እዩም፡፡ እዚ ሓይሊ ናብ ስልጣን እንትመፅእ እውን ኣመፃፅኣኡ ኦህዴድን ብአዴንን


ተማኺሮም ማለት እውን /ቲም ለማ ፈጢሮም/፣ ህወሓት ዝብልዎ ኩሉ ሓቅኹም
እናበልና ኣብታ ምርጫ ግን ጉድ ንግበሮም ብምባል ንኢህወዴግ ሸዊዶም
ስልጣንሒዞም፡፡ ኣብ ዝሓለፉ 3-4 ዓመታት እዙ ኹሉ ተንኮል እንትፈሓስን ሕቡእ
ውዳበታት እንትፍጠርን ማንም ክፈልጦም ኣይከኣለን፡፡ ዋላውን እቲ ንሕበነሉ
ዝነበረ ናይ ሃገራዊ ደህንነት መሓውርና ክገጥሞም ወይከዓ ነቲ ውዲት ክኸሽፎ
ኣይከኣለን፡፡ ምኽንያቱ ኩሉ መሓውራት መንግስቲ ጦምቢዩ፣ ህወሓት ውን ካብቲ
ናይ ምብስባስ መንገዲ ዘይወፀትን ጋእ ሰጋእ እናበለት በቲ መንገዲ ትሕምበብ
ስለዝነበረት እዩ፡፡

Videos From Around The World


እዚ

ፅግዕተኛ ሓይሊ ስልጣን ንክሕዝ፣ ኣብቲ ናይ ብዑምቆት ምህዳስ መድረኽ፡-

 ሓቕኹም ልዕልነት ትግራይ ይኹን ህወሓት የለን እዚ ናይ ዝበስበሱ ኣመራርሓ ወረ

እዩ፣

 ዘይፍትሓዊ ተጠቃሚነት ኣብ ሞንጎ ክልላት የለን እቲ ፀገም ኣብ ውሽጢ ክልላት

እዩ ዘሎ፤
 ቀንዲ ፀገምና ናይ መስመር ዘይኮነስ ናይ ሰናይ ምምሕዳር እዩ፤

 ህዝቢ ትግራይ ሕልፊ መስዋእቲ እምበር ሕልፊ ኣይተጠቐመን፣ ወዘተ ዝብሉ

ገምጋማት ብሓደ ድምፂ ደምዲሞም፡፡ እዚ ካብቲ ሓቁቅኹም እናበልና ስልጣን

ንሓዝ ደሓር ስልጣን ምስሓዝና ንገብሮ ባዕልትና ንፈልጥ ዝበልዎ እምበር ካብ

ውሽጦም ዝገምገምዎ ከምዘይነበረ ሐዚ ብተግባር ንትግራይን ትግራዋይን

ብምግላል የግህድዎ ኣለዉ፡፡

ብምዃኑውን ብውሽጦም ልዕልነት ትግራይ ኣሎ ኢሎም ስለዝኣመኑን ብስፍሓት

ስለዝሰርሑሉን፣ ትግራይ ልዕሊ ሃገራ ተረባሒት ኮይና ኢሎም ብስፍሓት ስለዝሰርሑሉ፣

ኣብ ዝሓለፉ 3-4 ዓመታት ብዙሕ መፅብዓታት ይኣትዉ ስለዝነበሩ፣ ናብ ስልጣን ምስመፁ

ብቐጥታ ኣብ ፌደራልን ኣብ ናይ ኣዲስ-ኣበባ ናይ መንግስቲ መሓውር ዝነበሩ ተጋሩ


ብፍላይ ኣብ ሹመታት ዝነበሩ ዳርጋ መብዛሕቶም ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት
ክገልሱ ተገይሩ፡፡ ናይ ደህንነትን መሓውር ብጠቕላላ አፈራሪሶምዎ፣ መከላኸሊ ሃገር
ኣፍሪስናዮ ክብሉ ተጃሂሮሙሉ፡፡ ሐዚ ከዓ ብምኽንያት ግዕዝይናን ጥሕሰት ሰብኣዊ

መሰላትን ዝብል ኣብ ተጋሩ ጥራሕ ብምትኳር ይሰርሑ ኣለዉ፡፡ ከምዝፍለጥ መከላከያ

ዘሎ ኣባል ናይ ማንም ፖለቲካዊ ውድብ ኣባል ኣይኮነን፡፡ ነገር ግን ተጋሩ ብምዃኖም

ጥራሕ ይሕፈሱ ኣለዉ፡፡ ሕዚ ብጠቅላይ ሚኒስተር ዝውሰዱ ዘለዉ ስጉምቲታት ኩሎም

ኣብ ልዕሊ ትግራዋይ ዘነፃፀሩ መጥቃዕቲ እዮም፡፡ ሐዚ ትግራዋይ ጥርጡር ዜጋ እዩ፡፡ እታ

ብደርጊ ዝነበረት ከምዘላ እያ መፂኣ ዘላ፡፡

ናይዚ ኩሉ ምኽንያትድማ እዚ ስርዓት ንምፍራስ ስግኣት ኮይንዎም ዘሎ ህወሓትን ህዝቢ

ትግራይን ስለዝኾኑ፤ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ድማ ከምዘይነፃፀሉ ብደንቢ ስለዝርድኡ

ንህወሓት ንምጥፋእ ንትግራዋይ ካብ ምሽባርን ምሽቑራርን ጀሚሩ ኩሉ ዝኽእልዎ ነገር

ዋላ እንዳ ሸይጣን ኣትዮም ዝኽእልዎ ነገር ይገብሩ ኣለዉ፡፡ ካብ ኩሉ ዝገርም ምስ ኢሳያስ

ኣፈወርቂ /ምስ ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነን/ ፉሉይ ዕርክነት ምፍጣሮም እዩ፡፡ ንኢሳያስ

ኣፈወርቂ ዝደልይዎ ዘለዉ ነቲ ኩሉጊዘ ዘበርግጎም ህወሓት ኣብ ምጥፋእ ክሕግዘና እዩ


ብዝብል እዩ፡፡ ህወሓት ማለት ድማ ብኩሎም ፀበብትን ትምክሕትን ውድባት ኢትዮጵያ

እንኮላይ ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከም ጋንየን ምሸት ምሸት እናባህረሮም ዝነብር ውድብ

ስለዝኾነ ከምዚ ዓይነት ግንባር ብምፍታጥ ንከጥፍኡዎ ምህቃኖም ሓዱሽ ነገር ኣይኮነን፡

፡ ኣብቲ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ኩሎም ፈቲኖም ለልከዖም ረኺቦም እዮም፡፡

እዚ ሐዚ ንሪኦ ዘለና ኩለን ርክባቶም ማለት ናይ ብአዴንን ኦህዴድን፣ ሕዚ ድማ ናይ ቲም-

ለማን ናይ ኢሳያስን፣ ናይ ፀላኢና ፀላኢ ፈታዊ ብዝብል ብሂል እዩ፡፡ ከም ሕልሞም ናይ

ሓባር ፀላኢኦም እንተተደምሲሱ፣ ቀፂሎም ኢሳያስን ቲም ለማን ይጣፍኡ፡፡ ቀፂሉ

ኦህዴድን ትምክሕትን ድማ ይዋድኡ፡፡ እዛ ናይመወዳእታ ግጥም ብዓይኒ ትምክሕቲ እታ

ፎኳስ ግጥም ይብልዋ፡፡ እቲ ዝኸበደ ግጥም ዝብልዎ ንህዝቢ ትግራይ ምምብርካኽ እዩ፡፡

ምኽንያቱ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ፅላል ህወሓት ኮይኑ፣ ደርጊ ገፊፉ ዘምፀኦ ልዕሊ 500 ሽሕ

ዕስለ ሰራዊት ዝደምሰሰ ብምኳኑ፡፡ ስለዝኾነውን እዞም ሓይልታት ትምክሕቲን ፀበብትን

እዚኦም በይንትና ኣይክንስዕሮምን ስለዚ ናይ ግድን ናይ ወፃእ ግንባር ዘድሊ እዩ ኢሎም

ስለዝኣመኑ ባህርዳር ኣስመራ፣ ኣስመራ ጎንደር ኣዲስኣበባ ተልፈስፈስ ክብሉ

ተዓዚብናዮም ኣለና፡፡

ኢሳያስ ኣብዝሓለፉ 15 ዓመታት ምስ ጭፍራ ወያነ ፀገምና ዶብ እዩ፣ ወራር እዩ፣


ስምምዕነት ኣልጀርስ እንድሕር ዘይተተግቢሩ ሰላም ዝበሀል ነገር የለን እናበለ
ከምዘይነበረ፤ ብታ መልሓሱ ከይሓነኸ ተጠሊዑ ቀደሙ መዓስ ዶብ ነይሩ ፀገምና
ወያነ እንዳኣኾነይ ኣባኢሱና ክብል ተሰሚዑ፡፡ ናይ ኢሳያስ ሸበድበድ ቀንዲ ምኽንያት
ንምድኻው ወያናይ ዴሞክራሲ እኳ እንተኾነ፣ ግን ድማ ኣብ ጉዳይ ባድመ ከይተጣለዐ

ይተርፍ እዩ ኢልካ ዝሕለፍ ኣይኮነን፡፡ ትምክሕቲውን ከም ናይ ኣቦኦም እምየ ሚኒሊክ ምስ

ጣልያን ብኤርትራ ዝተዋገዩ፣ ናይ ሎሚ አዴፓ ድማ ምስ ኢሳያስ ብመሬት ትግራይ

ኣይጣልዑን ዝበሃል ኣይኮነን፡፡

እዚ ኩሉ ዘሪኤና ኢትዮጵያ ናብ ዘይዛሪ ኲናት ንምምላስ እዩ፡፡ ስለዚ እዚ ናብ ስልጣን

መፂኡ ዘሎ ናይ ፀቢብን ናይ ትምክሕትን ልፍንቲ ዝኾነ ናይ ጥፍኣት ሓይሊ ዘይእመን


ኣብቃሎም ዘይፀንዕ፣ መትከል ዘይብሎም ስለዝኾኑ ኩሉ ነገር ዝብልዎ እንተይአመና

ጉዕዞና ብግርህነት ዝተመንጠልናዮ ስርዓት ናይ ምምላስ ጉዕዞ ክኸውን ይግባእ፡፡ እዚ

ሓይሊ ከምቲ ኣብ መረፃ ኣቦወንበር ኢህወዴግ ዝገበሮ ዘይእመንን ኣብ መትከሉ ዘይቖምን

ምዃኖም ብምፍላጥ ንሕና ካብኡ ብላዕሊ ተዓፃፂፍና ክንቅድሞም ይግባእ፡፡

ሕገ-መንግስቲ ብምጥሓስ ፌደራላዊ ስርዓት ንምፍራስ ዕማም ሒዙ ዝተበገሰ ፅግዕተኛ

ሓይሊ፣ ሕገ-መንግስቲ ከኽብር እዩ ኢልካ ምፅባይ ግርህና እዩ፡፡ ክንፅበ የብልናን፡፡

ሕገመንግስቲ ዝጥቀመሉ ዘሎ ቀስ ብቐስ ንህወሓት ለማስ ክሳብ ዝገብር ጊዘ መሸመቲ

ጥራሕ እዩ፡፡ ኩሎም ናብ ዓዲ ዝኣተዉ ተቋወምቲ ሓይልታት ተስፋ ዝተውሃቦም


እዚ ሕገ-መንግስቲ ብምፍራስ ካሊእ ንዕኦም ብዝጥዕም ሕገ-መንግስቲ ምትካእ
እዩ፡፡ እዚ ንምግባር ዋላ ሓንቲ ሕንከት የብሉን፡፡ ኩሉ ከምዝፈልጦ ንዕላምኡ
ትሕግዝ እያ ዝበላ ኩላ ተጎምቢሑ፣ እግሪ ስዒሙውን እዩ ዘምፅኣ፡፡ ሕገመንግስቲ
ኦሮማይ ይጠሓሕሶ እዩ ዘሎ፣ በይኑ /ቲም-ለማ 4 ሰባት/ ጥራሕ እዩ እናወሰነ ዝኸድ ዘሎ፡፡

ከም ንቡር ኢህወዴግ ዝመርሖ መንግስቲ 4ቲኦም ውድባት እናመኸሩ፣ እናተረዳድኡን

ብዴሞክራሲያዊ መንገዲ እናወሰኑ እዮም ንኢትዮጵያ ዝመርሕዋ ዝነበሩ፡፡ ሐዚ ግን ከምኡ

ኣይኮነን፡፡ ልዕሊ 80 ብሄር ዘለዋ ሃገር፣ 100 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ሃገር 4 ሰባት ጥራሕ
እዮም ምስ ባዕዳዊ ሓይሊታት እናተማኸሩ ዝውስኑን ዝመርሑን ዘለዉ፡፡ እሞ
ካብዚ ዝኸፍእ ክሕደት ሃገር ደኣ እንታይ ኣሎ፡፡ እዚኦም ንኦህዴድ ይኹን ብኣዴን
ዝውክሉ ኣይኮኑን፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላምን ምርግጋዕን ዘይብለን ዝባሃላ ክልላት
እተን ዝገደዳ ኣምሓራን ኦሮሚያን እየን፡፡ እዚ ዘሪኤና እቲ ሐዚ ሸዊዱ ብቶንኮል
ስልጣን ዝሓሰ ሓይሊ ናይ ህዝቢ መሰረት ከምዘይብሉ እዩ፡፡ ናይዚ ኹሉ ምኽንያት
ግን ንማንም ዝወሃብ ኣይኮነን ናትና ናይ ተጋሩ ውድብ ብምብልሻዋ እዩ፡፡ እዚ ድማ

ተጠቓሊሉ ናይ መሪሕነት ፀገም እዩ፡፡ መሪሕነት እንትበላሾ ክሳብ ክንደየናይ ሃገር


ንምብታን፣ 100 ሚሊዮን ህዝቢ ንምብታንን ነኒባዕሉ ክጣፋእ ዝኽእል በሪ
ዝኸፍት ኩነታት ከምዝፍጠር ቁልጭ ኣቢሉ የሪኤና፡፡
ይኹን እምበር ኩሉ ዕፁውን ፅልምትምት ዝበለ እዩ ማለት ኣይኮነን፡፡ ኣይትጥፍኡ
ክብለና ናይ ኢህወዴግ ኣሓት ውድባት ብፅግዕተኛን ምብስባስን መንገዲ
እንትሕምበቡ፣ ህወሓት ግን ካብ መንገዲ ሰጋእ መጋእ ወፂኣ፣ ዳግም ብዕምቆት
ተሃዲሳ፣ ናይዚ ኩሉ ምብስባስ መሪሕ ዝነበረ ኮር ኣመራርሓ ገምጊማ ካብ
ኣመራርሓ ክእለ ብምግባር ምትዕርራይ ብምግባራ ንትግራዋይ ዓብዪ ዕድል እዩ፡
፡ ብፍላይ ድማ ኣብ መበል 13 ጉባኤ ሓደሽቲ ሙሁራት መናእሰይን ደቀንስቲዮን ናብ ኮር

ኣመራርሓ ክሳተፉ ምግባራ ንትግራዋይ ብሩህ ተስፋ ዝሃበ እዩ፡፡ ሐዚ ንትግራዋይ ኣይኮነን

ዶ ሕዝባዊ ዕላማን መስመርን ዘለዋ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎና ኣሰሊፋ ንዓዎት ዝበፅሐት

ውድብ፣ ሃፍታም ተሞክሮ ዘለዋ ውድቡ ህወሓት፣ ዋላ ዝኾነ ብመንነት ወዲቡ ዘቃልስ

ውድብ እውን እንተኾነ ዝምረፀሉ እዋን ኢና ዘለና፡፡ ስለዚ የማን ፀጋም ንብለሉ ጊዘ

ኣይኮነን ኣብ ትሕቲ ውድብናን ክልላዊ መንግስትናን ተጠርኒፍና ጠጠው ክንብል ይግባእ፡

ኣብዚ ሀዚ እዋን ኩነታት ሃገርና እንትንርኢ ብጣዕሚ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኢና ዘለና፡፡ እቲ

ናብ ስልጣን መፂኡ ዘሎ ሓይሊ ከምንዕዘቦ፣ ክሳብ ሐዚ ዋላኳ ገለ ውሑዳት ፅቡቓት

ዝበሃሉ ለውጢታት እንተሃለዉውን፣ ብቐንዱ ግን ሰላምን ምርግጋዕን ተሳኢኑ፣ ዜጋታት

ንብረቶምን ሃፍቶምን ብወዲኒታት ቀትሪ ምድሪ ዝዝረፈሉ፣ ዜጋታት ኣብ ኣደባባይ

ዝስቀሉሉን ብወዲኒ ፍርዲ ዝወሃበሉ፣ ምንቅስቓስ ንግዲን ሸቐጥን ኣብ ሰናይ ፍቃድ ወዲኒ

ዝምስረተሉ ኮታስ ጠቕላላ ሕገመንግስቲ ተጣሒሱ ግደፍ ዝብል ዝተስኣነሉ ኩነታት ኢና

ዘለና፤ መንግስቲ ኣብ ክንዲ ልዕልና ሕጊ ኣብ ምኽባር ትኹረት ዝገብር፣ ኣብ ምፍራስ

መሓውራት ፌደራላዊ ስርዓት እዩ ዝርከብ፡፡ ብፍላይ ድማ ሐዚ ጀሚሩዎ ዘሎ ምንቅስቓስ

ኣንፃር ግፅዝይናን ኣንፃር ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል ዝብል እንትንርኢ ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ

ተጋሩ ዘትኮረ እዩ፡፡

ጉዕዝያት ተጋሩ ንምንታይ ይተሓዙ፣ ሰብኣዊ መሰል ዝግህሱ ተጋሩ ንምንታይ


ይሕተቱ ማለተይ ኣይኮነን፡፡ ዝዑይ ኣእምሮ ዘለዎ ማንም ትግራዋይ እውን ከምኡ
ኣይብልን፡፡ ነገር ግን እቲ ንሪኦ ዘለና ምንቅስቓስ ናይ ግዕዝይናን ናይ ሰብኣዊ
መሰል ሽፋን ብምግባር ኣብ ተጋሩን ኣብ ህወሓትን ዘትኮረ ዘመቻ እዩ፡፡ ስለዚ እዚ
ፀረ ግዕዝይና ዘይኮነስ ፀረ ተጋሩ ዝግበር ዘሎ ወፍሪ እዩ፡፡

ብሓቂ ንዘራረብ እንተኢልና፣ ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት ኢህወዴግ ናይ መንግስትነት

ስልጣን ሒዙ ንኢትዮጵያ እንትመርሕ፣ ናይ ፌደራል ስልጣን ኦሮሞታይ 26.7% ናይ


ፌደራል ስልጣን ብምሓዝ፤ ኣምሓራይ 23.3% ናይ ፌደራል ስልጣን ብምሓዝ፤
ደቡበታይ 23.3% ናይ ፌደራል ስልጣን ብምሓዝ፤ ትግራዋይ 13% ናይ ፌደራል
ስልጣን ብምሓዝ፤ ከምኡውን ካልኦት ብሄራት 13% ናይ ፌደራል ስልጣን
ብምሓዝ፤ እዩ ተመሪሑ፡፡ ኣብ ሕሉፍ 3-4 ዓመታት ብዝተፈላለዩ ገምጋማት
ከምዝተርኣየን ህዝቢውን ኣማሪሩ ከምዝገለፆን ኣብ ሃገርና ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ከም

ስርዓት ሰፊሕ ናይ ግዕዝይናን ስእነት ሰናይ ምምሕዳርን ከምዝነበረ እዩ፡፡ ስለዚ እዚ


ብቕንዕናን ብኣንፃር ረብሓ ህዝብን ሃገርን ንርአዮ እንተኢልና፣ ኣብ መንግስቲ
ስልጣን ዝረአ ብዕልግና ከም ስርዓት እዩ ኢልና እንተገምጊምና ናብ ተሓታትነት
እንትንወስዶ ከከም ብፅኢት መንግስታዊ ስልጣንካ እዩ ክሽረፍ ዝግበኦ፡፡ ኮይኑ ግና
ሐዚ ንሪኦ ዘለና ናይ ጠ/ሚ ዶ/ር ኣብይ ስጉምቲ ልዕሊ 95% ኣብ ተጋሩ ዘቕነዐ እዩ፡፡ እሞ
ናይ ስርዓት ፀገም እናበልና ነቲ 87% ስልጣን ሒዙ ዘበላሸወ ገዲፍካ ኣብቲ 13%
ስልጣን ሒዙ ዘበላሸወ ኢልካ ትጥርጥሮ ምትኳር እንታይ ክበሃል ይኽእል? እዚ

ምንም ምርምር ዘድልዮ ዘይኮነግልፂን ማንም ዝሪኦ መጥቃዕትን እዩ ምባል ይከኣል፡፡

እዚ ኣብ ተጋሩ ዘቕነዐ መጥቃዕቲ ናይብሓቂ ኣብ ግዕዝይናን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን

ኣትኲሩ ብዘይምንም ካሊእ ሑቡእ ኣጀንዳ ብመረዳእታ ተደጊፉ ስጉምቲ እንተተወሲዱ፣


ዋላ ናይ ካሊእ ብሄር ወንጀለኛ ኣይተሓዝ ወንጀለኛ ትግራዋይ ብምትሓዙን
ስጉምቲ ብምውሳዱን ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ይርብሑ እምበር ኣይጉድኡን፡፡
ምኽንያቱ እዞም ተግባራት (ወንጀላት) እዚኦም ልዕልነት ከይረኽቡ ህዝቢ ትግራይን

ህወሓትን ዝቃለሱዎም ዘለዉ ብምዃኑ፡፡ እዞም ወንጀላት እዚኦም ካብ ህዝባዊ ወገናዊነት

ዝረሓቑን ውልቀ ስሰዐ ዝብገሱ ብምዃኖም፣ ከምኡውን ካብ መትከላትን ዕላማታትን


ህወሓት /ወያናይ ዴሞክራሲ/ ወፃእ ብምዃኖም ከም ፀላኢ ልክዕ ከም ትምክሕትን

ፀበብትን ስለ ዝረአ፣ ግዕዝይናን ምግሃስ ሰብኣዊን ዴሞክራሲያዊን መሰላት ዝፍፅሙ

ውልቀ ሰባት ዘለዉዎ ናይ ኣመራርሓ ብርኪ ብዘየገድስ ከም ፀላእቲ ውድብ ን ህዝብን

እዮም ዝውሰዱ፡፡ ስለዚ በዚ ፀገም ዝተጨማለቑ ኣባላት እንተተኣሰሩ ከም ፅሬት እዩ

ዝውሰድ፡፡ ኮይኑ ግና ብሽም ምፅራይ ግዕዝይና እናተብሃለ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ


እንትረአ ናይ ብሄርካ ጉዕዙያት ኣብ ጓጓኻ ኣቐሚጥካ ኣብ ተጋሩ ጥራሕ ምትኳር
ባዕሉ ፀገም እዩ፡፡ እዚውን ምፅራይ ጒሒላታትን ውልቀ መለኽትን ዘይኮነስ መጥቃዕቲ
ተጋሩ እዩ ኮይኑ ዘሎ፡፡ ምኽንያቱ ሓቀኛ ናይ ምፅራይ ዕላማ ሒዙ ዝተበገሰ እንተዝኸውን

መጀመሪያ ናቱ ኣብ ዓይኑ ዘሎ መንገፍ ምፀረገ፡፡

ኣብዚ ከሕልፎ ደለኹ መልእኽቲ ናይ ኦሮሞን ኣምሓራን ጉዕዙያት /ሙሰኛታት/


እንድሕር ዘይተትሓዙ ናይ ተጋሩ ጉዕዙያት ንምንታይ ይተሓዙ ዝብል ኣይኮነን፡፡
ጉዕዙይ ትግራዋይ እንተሊዩ ክተሓዝ ክሕተት ግቡእ እዩ እዚ ክቕፅል ኣለዎ፡፡ ኣብ
ዝሓለፉ 2 ዓመታት ነዚ ኢና ገምጊምና፡፡ ስለዚ ሐዚ ምጥባቕ ምጅማሩ ፅቡቕ እቲ
ዝጥርጠር ውልቀ ሰብ ናይ ምክርኻርን ንፁህ ምኳኑ ናይ ምርግጋፅን መሰሉ
እንተተረጋጊፁሉ ካብኡ ተጋብሩ የውፃኣዮ ልዕልነት ሕጊ ይከበር፡፡ግን ድማ እዚ
ከምዚ ዓይነት ሕመቕ ኣብ ኩሉ ኣሎ፡፡ ኣብ ኩሉ ኣሎ ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ኣብ
ትግራዋይ ኣብ ኦሮሞታይ ይበዝሕ፣ ካብ ኣብ ትግራዋይ ኣብ ኣምሓራይን ኣብ
ደቡብን ይበዝሕ፡፡ ይበዝሕ ጥራሕ ዘይኮነስ ፍርይ ኢሉ ውን ይረአ፡፡ ስለዚ ኣብ
ትግራዋይ ጥራሕ እንተይኣትኮርና ናብኩሉ ነስፋሓዮ ንኹሉ መምሃሪ ይገበር እየ
ዝብል ዘለኹ፡፡

እሞ ንምንታይ ደኣ እዮም ኣብ ትግራዋይ ጥራሕ ኣትኲሮም? እንታይ እዩ እቲ ምሽጥር?

እዚ ብዙሕ ምርምር ዘድልዮ ኣይኮነን፣ መቐፀልታ ናይቲ ብሄር ተኮር ጥቕዓት እዩ፡፡

መቐፀልታ ናይቲ የቀን ጅቦች ዝተብሃለ እዩ፡፡ ሐዚ ዝኒሆ ምንቅስቓስ ተጋሩ ናይ ምድሃል፣

ምሹቕራር፣ ምፍርራሕን ኢሉውን ኣሜን ኢሎም ወፅዓን መጥቃዕትን መግዛእትን

ንክቕበሉ ዝገብር እዩ፡፡ ስለዚ ኣብዝሃለወ ይሃሉ፣ ኩሉ ትግራዋይ ኣዚሩ ክሓስብ ይግባእ፡፡
ነዚ ትንታነ ኣየድልዮን፡፡ ዝረአ ዘሎ ሓቂ እዩ፡፡ ንውልቀ ሰባት ምጥባቕ ኣይኮነን፣ ንመንነትና

እምበር፡፡

እሞ ከምቲ ክቡር መራሒና መለስ ዜናዊ ዝበሎ እቲ ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ፡፡ ሃየ


ንመንነትና ኩላትና ብዘይ ኣፈላላይ ብሓባር ጠጠው ንበል፡፡ ሐዚ ኣብ ሕሉፍ እዋን
ብዝተፈጠሩ ፀገማት ሰናይ ምምሕዳር ቅሬታታት ሒዝካ ትግለለሉን ጠጠው ትብለሉን

ጉዳይ ኣይኮነን፡፡ ሐዚ ኣይኮነን ዶ ትግራዋይስ ዋላውን ትግርኛ ተዛራቢ ኤርትራዊ


ውን እንተኾነ ንመንነት ትግራዋይ ስቕ ኢሉ ዝሪኤሉ ኩነታት ክህሉ የብሉን፡፡
ምኽንያቱ እዚ ናይ ፖለቲካ ፓርቲ ጉዳይ ዘይኮነስ ናይ ኩሉ ናይ መንነት ጉዳይ
ስለዝኾነ፡፡ ብዛዕባ ናይ መንነት ጉዳይ ድማ ናይ ሓደ ትግራዋይ መጥቃዕቲ ናይ
ተጋሩ ጥራሕውን ተገይሩ ክረአ የብሉን፤ ናይኩሉ መንነት ጉዳይ ተገይሩ እዩ ክረአ
ዘለዎ፡፡ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሓደ መንነት ተረጊፁ ማለት ዶብ የብሉን ናይ ኩሉ
መንነት ምርጋፁ ኣይተርፍን፡፡ ስለዚ ኩሉ ኣንፃር መጥቀዕቲ ጠጠው ክብል
ይግባእ፡፡ ናይ መንነት ነገር እዚ ንትግራዋይ ሓዱሽ ኣይኮነን፡፡ቀደም እውን
ትግራዋይ ኣብቲ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ን100 ዓመት ዝተሃነፀ ስርዓት ትምክሕቲ
ምስ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሹሾ ሰራዊት ብምድምሳስ እዩ ተዓዊቱ፡፡ ቀደም እውን
ንትግራዋይ ክረግፁ ቃልሱ ክጭፍልቑ ዘይፈተኑ ሓይሊታት ትምክሕትን፣ ፀበብትን

ኣይነበሩን፡፡ ሳላ ህዝባዊን ፍትሓዊን ዕላማን ሕቶን ሒዝና ሓድነትና ዘጠናኸርና ተዓዊትና

ኢና፡፡ ሐዚውን እዚ ፍትሓዊን ህዝባዊን ዕላማ ክሳብ ዝሓዝና፣ ናይማትና ክሳብ ዘይደለና

ተዓወቲ ኢና፡፡ እዚ ምርግጋፅ ሕቶ መንነት ተጋሩ ዘይወሓጠሎም ሓይሊታት ድማ

ሓይሊታት ትምክሕቲን ኢሳያስን እዮም፡፡ ስለዚ ነዚኦም ብዝተወደበ ሓይሊ ክነፍሽሎ

ይግባእ፡፡ ናይ ትግራዋይ መንነት ምርግጋፅ ማለት ዓዎት ኩሎም ህዝብታት ኢትዮጵያን

ኤርትራን እምበር ረብሓታት ህዝቢ ዝትንክፍ ኣይኮነን፡፡ መሰል ሓደ ህዝቢ ብምኽባሩ

መሰል ካሊእ ህዝቢ ኣይገሃስን፡፡ ህዝቢ ትግራይ ምእንቲ መንነቱ እንትቃለስ ብኡ ኣቢሉ

መንነት ካልኦት ህዝብታትን ብሄር ብሄረሰባትን ኣረጋጊፁ ሕልፊ መስዋእቲ ከፊሉምበር

ሕልፊ ዝወሰዶ የለን፡፡ ስለዚ ሐዚውን ከምቀደምና ንመንነትና ሓድነትና ኣጠናኺርና


ክንምክትን ጠጠው ክንብልን ይግባእ፡፡ኣብዙ ሀዚ እዋን ንትግራዋይ
ንምምብርካኽ ረኸብናያ ሰኣንናያ ሎሚ እያ ብምባል ፀበብትን ትምክሕትን
ሓይሊታት ምስ ሻዕብያ ግንባር ብምፍጣር ሰፊሕ ምንቅስቓስ ይገብሩ ኣለዉ፤
ስለዚ ከም ቀደምና ሓድነትና ኣጠናኺርና ሰብ ናብሰቡ ዝብኢ ናብ ገረቡ ንምፅዳህ
ሃየ ንዳሎ፡፡

ጊዘ እናሃለወና ጊዜ ኣይንፀበ
ህዳሰ ኢትዮጵያ

ሕዳር 5፣ 2011 ዓ.ም.

ቃልሲ ግዕዝይና ንሀገርና ሓዱሽ


አይኮነን፡፡ ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት
ብሰንኪ ግዕዝይና ብርክት ዝበሉ
ኣመራርሓ እናንጠብጠብና ኢና
መፂና፡፡ ትግራዋይ ንግዕዝይና ዝፃወር
አይኮነን እናገምገመ እናመከተ መፂኡ
እዩ፡፡ ግን ድማ እቲ ሽግር በቲ ዝድለ
እናተቓለስናዮ ብዘይ ምኻድና ነቲ
ሐዚ ገጢሙና ዘሎ ፀገም አቓሊዑና፡፡
ብምዃኑውን ዋላኳ ንክልልናን
ውድብናን ክነድሕን እንተኸኣልና፣
ኣብቲ ቃልሲ ዘየድሊ ጊዜ
ብምውሳድና ግን ንኢህወዴግ
ክነድሕን ብዘይምኽኣልና፣
ሓብሒብና ኣብዚ ዘብፃሕናዮ ሃገራዊ ውድብ ንምእማን ብዘፀግም ኣንፃር ተጋሩ ተላዒሉ፣
ከም ገዛእትና ብዝተፈላለዩ መልክዓት ብሄር ተኮር መጥቃዕቲ የካይድ ኣሎ፡፡

አብዙ ሀዚ ሰዓት ትግራዋይ ውሽጣዊ ቅሳነትን ምርግጋዕን ስኢኑ ይርከብ፡፡ እዚ ድማ እቲ


ሎምቅነ ብሽም ግዕዝይና ዝእሰሩ ዘለዉ ተወለድቲ ትግራይ ዝኾኑ ጥራሕ ብምዃኖም እዩ፡
፡ ንጉዕዝያት ሰረቕትን ብናይ ህዝቢ ስልጣንን ሓላፍነትን ዝብዕልጉ ዜጋታት፣ ተጋሩ
ስለዝኾኑ ንምንታይ ይእሰሩ ብዝብል ኣይኮነን ትግራዋይ ቅሳነት ስኢኑ ዘሎ፡፡ እቲ ዝግበር
ዘሎ ዘመቻ ብትኽክል ኣንፃር ግዕዝይና እንተኾይኑ ብትግራዋይ ምጅማሩ ካብ ማንም
ንላዕሊ ንትግራይ ይጠቅም እምበር ኣይጎድእን፡፡ ምኽንያቱ ዝጋዕዘየ ገዛኻ ምፅራይ
ጥቕሚ እምበር ጉድኣት የብሉን፡፡ እቲ ንትግራዋይ ዘየረጋግዖ ዘሎ ግን ካሊእ እዩ፡፡
ንባዕሎም ጋዕዚዮምስ ከመይ ገይሮም ናይማቶም ግዕዝይና ይፀርጉ እዩ፡፡ እዚ ከዓ ግቡእ
ይመስለኒ፡፡

ኣብ ዝሓለፉ 2-3 ዓመታት እንትንግምግም ሰፍ ዘይብል ፀገማት ከምዝነበረና ብፍላይ


ክራይ ኣካብነት ዓብዪ ፀገምና ከምዝኾነ ገምጊምና ኢና፡፡ ግን ድማ ናብ ባዓል ዋና ምጥባቕ
ኣብዩና ኢልና ንደጋግሞ ነይርና፡፡ ሐዚ ምስ ሰባት ምጥባቕ ምጅማሩ ያዒስ ዘብል እኳ
እንተኾነ፣ ኣብ ኩሉ ዘይምዃኑ፣ ኣብ ሓደ ብሄር ጥራሕ ትኹረት ዝገበረ ምዃኑ፣ ገሊኡ
ሓምሓም ልቡ ዝወቕዕን ተቃላሳይን ናይ ለውጢ ሓይሊን መሲሉ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ገለ ገለ
ሓይሊ ድማ ካብቶም ዝእሰሩ ዘለዉ ጥርጡራት ዘይነኣኣስ ጥርጣረ ዘለዎም ኮይኖም
እንትርከቡ ግን የሰክፈካ፡፡

Videos From Around The World ስለዚ እቲ


ቃልስና፣ ተጋሩ ንምንታይ ይንክኡ ዘይኮነስ ጉዕዙይ ጉዕዙይ ስለዝኾነ ንኹሉ ነፅርዮ ዝብል
ክኸውን ይግባእ፡፡ ትግራዋይ ጉዕዙይ ዝወረሮ ገንዘብ ንውልቁን መሻርኽቱን እምበር
ንህዝቢ ትግራይ ጥር ትብል ጥቕሚ የብሉን፣ ናይቲ ካሊእ ብሄር ጉዕዙይ እውን ከምኡ፡፡
ኩሎም ጉዕዝያት ድማ ናይ ሃገር ፀገማት ፈጠርቲ እምበር ጠቐምቲ ክኾኑ ኣይኽእሉን፡፡
ንኢትዮጵያ ትግራዋይ ጉዕዙይ ጥራሕ ዘይኮነስ ዝጎድኣስ ኩሉ ኣምሓራይ፣ ኦሮሞታይ፣
ዶቡበታይን ካልኦትን ጉዕዝያት ጎዳእታ እዮም፡፡ ስለዚ ኣንፃር ግዕዝይና ዝግበር ቃልሲ ብሄር
ተኮር ጌርና ንኸድ እንተኾይንና ንማንም ኣይጠቅምን ዝገደደ ፀገም ከምፅእ
እንተዘይኮይኑ፡፡

እቲ ናብ ስልጣን መፂኡ ዘሎ ጉጅለ፣ ሰበብ ኣስባብ እናፈጠረ ኣብ ፌደራል መስራቤታት


ዝነበሩ ተጋሩ ብፍላይ ኣብ ዝላዓለ ሓላፍነት ዝነበሩ ዳርጋ ንመብዛሕቶም ምባል ይከኣል
ገሊኦም ብምንስፋፍ፣ ገሊኦም ብጡሮታ፣ ገሊኦም ብምእጋድ፣ ገሊኦም ብምብራር
ስጉምቲ ተወሲድዎም እዩ፡፡ እዚ ዓቐን ዘይብሉ ዕብዳን እዩ እንተተብሃለ ምግናን
ኣይኸውንን፡፡ ስለዚ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ምርግጋዑ ኣይተርፍን ግን ድማ ክሳብ
ዝረጋጋዕ ኢልና ኢድናን እግርናን ኣጣሚርና ክንፅበዮ የብልናን፡፡ ነዚ ኩነታት ከም ዕድል
ወሲድና ንረብሓና ክነውዕሎ ይግባእ፡፡

ኣብዙ ሀዚ እዋን ከም ተጋሩ ኣብ ሞንጎ ክልተ ግፍዐኛታት ፀላእቲ ተኸቢብና ኣለና ዝብል
ድምዳመ ዳርጋ ኩሉ ትግራዋይ ይሰማመዐሉ ምባል ይከኣል፡፡ ምኽንያቱ እቶም ብክልሰ
ሓሳብን ብፕሮፖጋንዳ ንሰምዖም ዝነበርና ውዲታት ትምክሕቲ፣ ፀበብትን፣ ሻዕብያን
ኩሎም ሓደ ብሓደ እንትገሃዱ ንሪኦም ስለዘለና፡፡ ስለዚ ኣብዚ ሰፊሕ ምርድዳእን ሕራነን
ምህላዉ ናብ ዕድል ክንልውጦን ክንሰርሓሉን ይግባእ፡፡ ክሳብ ሎሚ ኣብ ዘረባን ሓሳባትን
ኣብ ምፍላቕ ጥራሕ ኢና ተሓፂርና ዘለና፣ ስለዚ ዳይ ናብ ተግባር ንእቶ፡፡

ናይ ታይዋንን ናይ ደቡብ ኮርያን ናይ ዕዉት ልምዓት ጉዕዞ ታሪክ ዘምህረና እዚ እዩ፡፡ኣብዙ


ሀዚ እዋን ታይዋንን ኮርያን ኣብ ዓለምና ኣለዋ ካብ ዝበሃላ ዝለምዓ ወይ ሃፋትም ዝበባሃለ
ሃገራት እየን፡፡ እዚ ዝረአ ልምዓተን ድማ ካብ ዓለምና ኣብ ዝሓፀረ ጊዜ ዝተረኸበ/ዝረኸበኦ
ተባሂለን ይጥቀሳ፡፡ ናይዚ ዓወተን ሓደ ምሽጥሩ ከምቲ ሀዚ ነዓና በፂሑና ዘሎ
ፀገምን ፀበባን በፂሑወን መንግስትን ህዝብን ከም ናይ ሓንቲ ሳንቲም ክልተ ገፃት
ሓደ ዓይነት ኣተሓሳስባን ሕራነን ሒዞም ብምብጋሶም እዩ፡፡ ዶቡብ ኮርያ ናይ ሰሜን
ኮርያ ኮሚኒስት ፓርቲ መፂኡ ክውሕጠና እዩ ዝብል ምንም ትንታነ ዘየድልዮ ካብ ላዕለዋይ
ሙሁር ኮርያ ክሳብ ተራ ገባር ኮርያ ምርድዳእ ብምብፃሖም ኩሉ ነገር ገዲፎም ናብ
ልምዓትን ዓቕሞም ምድልዳልን ኣትዮም ሀዚ ኣብቲ ንሪኦ ዘለና ብርኪ በፂሖም፡፡ ታይዋን
እውን ብተመሳሳሊ መንገዲ ንቻይና ዝመርሕ ዝነበረ ኮሚታንግ ዝበሃል ናይ ፊውዳላት
ፓርቲ፣ ብናይ ቻይና ኮሚኒስታዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ካብ ሙሉእ ቻይና ፀራሪጉ
ብምውፃእ ናብ ግዝኣት ቻይና ዝነበረት ታይዋን ደሴት ክሀድሙ ስለዝገበሮም፣ እቲ ናይ
ቻይና ህዝባዊ ሓይሊ ናብ ታይዋን ንምኻድ ዝተወደበ ናይ መርከብን ባሕሪ ሓይሊን
ስለዘይነበሮ ንጊዚኡ ክሳብ ሓይሊ ባሕሪ ዘጥሪ ይፅነሓለይ ኢሉ ብምምላሱ፤ እቲ ናብ ደሴት
ታይዋን ዝሃደመ ሓይሊ ጊዜ ብምርካቡ፣ ቻይና ኮሚኒስት ፓርቲ ናይ ባሕሪ ሓይሊ ሃኒፁ
መፂኡ ከጥፈአኒ እዩ ስለዚ ህልውናና ንምርግጋፅ ብኩሉመዳይ ለውጢ ልምዓት ክነረጋግፅ
ይግባእ ዝብል ውሳነ ወሲኑ፡፡ እዚ ናይ ሃለዋት ስግኣት ድማ ኣብቲ ፓርቲ ጥራሕ ዘይኮነስ
ኣብ ኩሉ ናይ ታይዋን ዜጋ ብምስራፁ ካብ ወረራ ንክወፁ ልዕሊ ቻይና ብኩሉ መዳይ
ክንለምዕ ይግባእ ኢሎም ተበጊሶም ልክዕ ከም ደቡብ ኮርያ ሀዚ ናይ ዓለምና ሃፍታግ ሃገር
ምዃን በፂሖም፡፡

ስለዚ ንሕና ሐዚ በፂሑና ዘሎ ምቕርቃርን ፀበባን ኩሉ ትግራዋይ ይኣምነሉን ይሪኦን


ስለዘሎ ነዚ ሓድነትን ሓባራዊ ምርድዳእን ተጠቒምና፣ ነቲ ካብ ፌደራል መንግስታዊ ቤ/ፅ
ተንሳፊፉ ዘሎ ሙህርን በዓል ሃፍታም ተሞክሮን ዜጋና ኣኪብና፣ ኣብ ውሽጥና ዘሎ
ሰብኣውን ንዋታዊን ዑቑር ሃፍቲ ተጠቒምና ልክዕ ከምቲ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ጊዜ ንሓደ
ዕላማ /ደርጊ ንምድምሳስ/ ዝዓሰልና ሐዚውን ክልልና ብምልዋጥ ካብዚ መንቀርቅሮ
ክንወፅእ ይግባእ፡፡ ውድብ ህወሓትን ክልላዊ መንግስትናን ድማ ከም ናይ ደቡብ ኮርያን
ናይ ታይዋን ኮሚታንግን ዝገበርዎ፤ ነዚ ተበግሶ ክወስድ ይግባእ፡፡ ሐዚውን ዝደቀስናን ስቕ
ኢልና ጊዜ ክፈትሐልና ንፅበ ዘለና እዩ ዝመስል፡፡ ወለድና ከምዝብልዎ ዝሰቐልካዮያ
ብኹፍልካ /ኮፍ ኢልካ/ ተሲእኻ ክተውርዶ ይሰኣነካ ፣ እቲ ኩነታት እናገደደ እዩ ዝኸድ
ዘሎ፣ ብኹፍልና ክንፍፅሞ ንኽእል ዝነበርና ሀዚ ኣብዘይንኽእለሉ ብርኪ ንበፅሕ ኣለና፣
ብቐሊሉ ንሰርሖ ዝነበርና ሐዚ ብብዙሕ ፃዕርን ምልምማፅን ንምፍፃም ንግደድ ኣለና፤ ኣብ
ኢህወዴግ ይኹን ኣብ ሃገራዊ ዝነበረና ተቐባልነት እናተሸርሸረ ይኸድ ኣሎ፤ ስለዚ ጊዜ
እናሃለወና ጊዜ ኣይንፀበ፡፡ ኣብዚ ሀዚ እዋን ንክልልካ እዚ ኣበርክት ኢልካዮ ዝስስዕ
ትግራዋይ ኣይርከብን፣ ኣይኮነን ገንዘብን ንዋትን ህይወቱ ንምግባር ኣዕጥቑና እዩ ዝብል
ዘሎ፡፡ እዚ ድማ ማንም ዘይረኽቦ ሃፍቲ ትግራዋይ እዩ፡፡ ፀላእትና ኮኽሒ ፈንቂሎምውን
ክረኽብዎ ዘይኽእሉ ናይ ትግራዋይ ብሉፅነት እዩ፡፡ ስለዚ ጊዜ እናሃለወና ጊዜ ኣይንፀበ፡፡ እቲ
ብስግኣትን ፀበባን ተፈጢሩ ዘሎ ዕድል ብኣግባቡ ብምጥቃም ንረብሓ ክልልናን ህዝብናን
ነውዕሎ፡፡

ህዳሰ ኢትዮጵያ

ሕዳር 5፣ 2011 ዓ.ም.

hidaseethiopia@yahoo.com ወይከዓ hidaseethiopiaa@gmail.com

You might also like